ናብ ትሕዝቶ ዝለል
De Voorkamer logo

ዛንታታት

ኣባላት ማሕበረሰብጥቅምቲ 10, 2026

ኢንካንታዳ – ተዘክሮታት መስቀል፦ ንሉዊዝ ቤዘራ ምዝካር

ከመይ ጌርና ኢና ንተዘክሮ ሓደ ሰብ ህያው ክንገብሮ እንኽእል?

ኢንካንታዳ – ተዘክሮታት መስቀል፦ ንሉዊዝ ቤዘራ ምዝካር story image

ኣብዚ ጥቅምቲ De Voorkamer ንህይወትን ስራሕን ብራዚላዊት ስነ-ጥበባዊት ተመራማሪት ከምኡውን ተጣባቒት ሉዊዝ ቤዘራ (1980-2025) ዘኽብር ናይ መዘከርታ ምርኢት ENCANTADA – Crossing Memories ኣአንጊዳ።

ሉዊዝ ካብ 2019 ክሳዕ 2025 ኣብ ዩትሬክት ትነብር ነበረት ኣብኡ ድማ ስነ-ጥበባዊ ልምዳታ ኣማዕቢላ ምስ De Voorkamer ትተሓባበር ነበረት። ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ፍቑር ክፍሊ ማሕበረሰብና ዀነት ኣብ ቦታና ድማ ነባሪ ኣሰር ገዲፋ። ስለዚ ንህይወታን ንስራሓን ዜኽብር ምርኢት ከነዳሉ ብምኽኣልና ኽብሪ ረኺብና ኢና።

ምስ ኣዳለውቲ ተራኸብ

እቲ ምርኢት በቶም ክልተ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ሉዊዝ ማሪያና ሞረስን ሉዊሳ ኮሰርን ተኣኪቦም ነቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓታን ተዘክሮታታን ንምዕቃብን ንምክፋልን ተበገሱ።

ሉዊዛ ንሉዊዝ ንፈለማ ግዜ ጓል 18 ዓመት ከላ ኣብ ሪዮ ዲ ጃንየሮ ኣብ እተገብረ ናይ ፎቶግራፍ ኮርስ ተራኸበት። ሉዊዝ ታሪኽ ተማህረት ማሪያናን ሉዊሳን ከኣ ብሓባር ጋዜጠኝነት ተማህሩ። ስነ-ጥበብ ወትሩ ንሰለስቲኦም ዜራኽብ ነገር እዩ ነይሩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ዕርክነቶም እናዓበየ ኸደ ከም ኣሓት ድማ ኰኑ።

ስነ-ጥበብን ሓልዮትን ትብዓትን ዝመልኦ ህይወት

ሰባት ብዛዕባ ሉዊዝ እንታይ ኪዝክሩ ኸም ዚደልዩ ምስ ተሓትቱ ማሪያናን ሉዊሳን ዝነበራ ናይ መጀመርታ ቓል 'ተባዕቲ' እያ ነይራ። ሓላዪት መስሓቕን ሓቀኛን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ወትሩ ኣብኡ ዘላ ሰብ ከም ዝዀነት ገለጹላ።

ሉዊዝ ንኣስታት 13 ዓመት ምስ መንሽሮ ትነብር እኳ እንተ ነበረት ሕማማ ግን ፈጺማ ኣይገለጸትን። ንማሕበረሰብኣ ምፍጣርን ምድጋፍ ከምኡውን ብስነ-ጥበብ ኣቢላ ገዛእ ርእሳ ምግላጽን ቀጸለት።

ድሕሪ ሙማታ ማሪያናን ሉዊሳን ስነ-ጥበባዊ ስርሓታን ተዘክሮታታን ንምዕቃብ ኪዓዩ ጀመሩ። እዚ ምርኢት እዚ ስራሓ ንብዙሓት ሰባት ንምክፋል ናይ መጀመርታ ስጕምቶም እዩ ነይሩ።

Profile Louise Bezerra Encantada Voorkamer

እቲ ጕዕዞ ቐጸለ

ኢንካንታዳ ዝብል ስም ናይ ሓደ ሰብ ሓይልን መንፈስን ድሕሪ ሞት ክቕጽል ከም ዝኽእል ኢዩ ዝገልጽ። ሓደ ኻብቲ ምስ ማሪያናን ሉዊሳን ዝገበርናዮ ዝርርብ ዝወጸ ልቢ ዝትንክፍ ፍረ ነገር ርእሰ-ፍቕሪ ኢዩ ነይሩ። ስራሕ ሉዊዝ ተኣፋፍነትን ብርታዐን ከምኡውን ኣብ መንጎ ኣካላትናን ተፈጥሮናን ዘሎ ርክብ ይምርምር እዩ።

ከምቲ ማሪያናን ሉዊሳን ዘዘኻኸሩና ምሕዋይ ብዛዕባ ፍቕሪ እውን እዩ። ንዓታቶም እዚ ምርኢት እዚ መወዳእታ ኣይኰነን። ንዕዮ ሉዊዝ ናብ ብዙሓት ማሕበረሰባት እንተላይ ናብ ዓዳ ብራዚል ኬብጽሕዎን ታሪኻ ኼካፍሉን ተስፋ ይገብሩ።

ብስነ-ጥበብን ምሕዝነትን ተዘክሮ ሉዊዝ ህያው እዩ።

ነቶም ብ10 ጥቅምቲ ኣብ መኽፈቲ ምርኢት ምሳና እተኻፈሉ ዅሎም ከምኡውን ነቶም ኣብ ዚቕጽል ክልተ ሰሙን ንዕዮ ሉዊዝ ኪርእይዎ ዝበጽሑ ዅሎም ነመስግኖም።